Informasaun no Suporte

እንቋዕ ናብ ወል ካምኮሙኒቲ ወልቢንግ (Welcome to the Community Wellbeing) መርበብ ሓበሬታ ማሕበረሰብ ኣብ መላእ ሰሜን ኣየርላንድ ኲነት ጥዕና ሓጐስ ጽቡቕ ምህላው ብ14 ትካላት ግብረ ሰናይ ጥዕና ኣእምሮን፥ ተፈጢሩ።

እዚ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት፡ ናይ ርእሰ-ሓገዝ መምርሒታትን ደገፍን፥ ንምርካብ ዝሕግዙ መገድታትን ዘራኽብ ናይ
ኦንላይን ማእከል (hub) እዩ።

ጽቡቕ ናይ ምድቃስ ምኽሪ፥ ገለ ኣንፈት ጸቕጢ ስራሕ፥ ወይ ጭንቀት ገንዘብ፥ ክሳብ ኣብ ከባቢኹም ባንክ
መግቢ (food bank) ኣበይ ከም እትረኽቡ ወይ ናይ ኣባይቲ ደገፍ ከመይ ጌርኩም ከምትረኽቡ ክሕብር ተባሂሉ እዩ።
ዘ ኮሙኒቲ ወል ቢንግ ሃብ (The Community Wellbeing Hub) ናይ ኣእምሮ ጥዕናኹም ጽቡቕ ክህሉ ጠቓሚ ናይ
ሓበሬታ ጸጋታት ከም እትረክቡ ንምርግጋጽ እዩ ዘሎ።

ኣብ ማእከል ጽቡቕ ምህላው ማሕበረሰብ (Community Wellbeing Hub) ከመይ ጌርኩም ከም እትኸዱ ንምግላጽ ንክሕግዘኩም ምንባብኩም ክትቕጽሉ ሓደራ።

ቪድዮ ትርጉም

Browsealoud

ማእከል ጽቡቕ ምህላው ማሕበረሰብ (The Community Wellbeing Hub) ምስ Browsealoud ይመጽእ። እዚ ነቶም ገጻት ናብ ቋንቋኹም ንምትርጓም ዝሕግዝ መሳርሒ (tool) እዩ። ክትጅምሩ ምስ ትደልዩ፡ ኣብ ታሕቲ ብየማናይ ሸነኽ ስክሪን ዘሎ ኣራንሺ ክቢ ምረጹ። ኣብቲ ቁልፊ ምስ ጠወቕኩም ኣብ ናይ ላዕሊ ገጽ ገለ ዝርዝር ይመጸኩም።

 ኣብ ጎኒ ኣርባዕተ ምልክታት ክትርእዩ ኢኹም።

ድሕሪኡ ካብቲ ንቑልቁል ዝወርድ ዝርዝር፥ ቋንቋኹም ክትመርጹ ትኽእሉ።
 ሓንሳብ ቋንቋኹም ምስ መረጽኩም፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብኣውቶማቲክ ናብ ቋንቋኹም ይትርጎም።
ጌጋታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብቋንቋኹም ገለ ሓበሬታ ንምርካብ ክሕግዘኩም ተስፋ ንገብ

ኣብ ጽቡቕ ጥዕናን ሓጐስን ኲነታት ክትህልዉ 5 ስጉምትታት ተኸተሉ።<br />

መብዛሕትና ኣብ ኣእምሮናን ኣካልናን ጽቡቕ ከም እንኸውን ንፈልጥ ኢና። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ጽቡቕንክንህሉ ገለ ተወሳኺ ደገፍ የድልየና እዩ።
ንኲነት ጥዕና ሓጐስ ጽቡቕ ምህላው ንምዕቃብን ንምምሕያሽን ዝሕግዙ ሓሙሽተ ቀለልቲ ስጉምትታት ኣለዉ። ነዚኦም ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ክትሃንጾም ፈትኑ።

ምርኻብ (Connect)
ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት ምስ ስድራቤት: ኣዕሩኽ: መሳርሕትን ጎረባብትን ኣብ ገዛ: ስራሕ: ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከባቢኹም
ዝርከቡ ማሕበረሰብ ተራኸቡ። ነዞም ዝምድናታት ከም እምነ ኩርናዕ ህይወትኩም ከተማዕብልዎም ግዜ ፍለዩ። ነዞም ምትእስሳራት
ንምህናጽ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትኩም ክድግፉኹምን ከሀብትሙኹም እዮም።

ንጡፋት ኩኑ።
ብእግሪ ምኻድ ወይ ጒያ፡ ብሽክለታ፡ ምጽዋት ኣዘውትሩ። ኣብ ጀርዲን ወይ ሳዕስዒት ምኻድ ምንቅስቓስ ኣካላት
ምዝውታር ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝስምዓኩም ይገብር። ብዓቢኡ ድማ ምስ ደረጃ ምንቅስቓስኩምን ብቕዓትኩምን ዝሰማማዕ
ዘሐጉሰኩም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣዘውትሩ።

ኣስተውዕሉ/ልቢ ግበሩ
እንከሎኹም ወይ ምስ ኣዕሩኽትኹም ወይ ምስ መሓዙትኩም ክትዛረቡ ከሎኹም ነታ ህሞት ኣስተማቕሩ። ኣብ
ከባቢኹም ዘሎ ዓለም ዝስምዓኩም ኣስተዕሉ። ብዛዕባ ተመክሮታትኩም ምሕሳብ፡ ነቲ ንዓኹም ዜገድሰኩም ነገራት ከተስተማቕርዎ
ይሕግዘኩም።
ትምህርቲ ምምሃር ቀጽሉ (Keep learning)
ሓድሽ ነገር ክትፍትኑ፣ ናይ ቀደም መዘናግዒ እንደገና ክትረኽቡ፥ ወይ’ውን ንኮርስ ክትምዝገቡ ኣይትፍርሁ። ዝተፈለየ
ሓላፍነት ውሰዱ። ብሽክለታ ኣዐርዩ። መሳርሒ ሙዚቃ ተጻወቱ። ወይ ትፈትዎ መግቢ ከመይ ጌርኩም ከም እትሰርሑ ተማሃሩ።
ዘሐጉሰኩም ብድሆ ኣዘውትሩ። ሓደስቲ ነገራት ምምሃር ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዝህልወኩም፡ ከዘዘናግዓኩም ይኽእል እዩ።

ለግሱ/ሃቡ (Give)
ንዓርክኹም ወይ ንዘይትፈልጥዎ ሰብ ገለ ጽቡቕ ነገር ግበሩ። ንሓደ ሰብ ኣመስግኑ። ፍሽኽ በሉ። ግዜኹም ብወለንታ ኣወፍዩ
ወይ ኣብ ሓደ ማሕበረሰባዊ ጉጅለ ክትጽንበሩ ኣብ ግምት ኣእትዉ። ኣብ ደገኹምን ውሽጥኹምን ተዓዘቡ። ንነብስኹን ሓጎስኩምን
ምስቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ምርኣይ ንምእማኑ ዘጸግም ዓስቢ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ምስቶም ኣብ ከባቢኹም
ዘለዉ ሰባት ድማ ርክብ ክህሉ ምፍጣር ቁም ነገር ዚርከቦ እዩ።

ዝወሓደ ወጻኢ ወይ ነጻ ንጥፈታት
ንምህናጽ Take 5 ኣብ ስሩዕ መዓልታዊ ህይወትኩም ከተዘውትርዎ ንጥፈታት ፈጢርና ኣለና እሞ ኣብ>>
https://communitywellbeing.info/take-5-steps-to-wellbeing/ተወከሱ።

ኣብ መላእ እቲ መርበብ<br /> ሓበሬታ ብዙሓት ዓበይቲ ጸጋታት ኣለዉ።

 ኣብ መላእ እቲ መርበብ
ሓበሬታ ብዙሓት ዓበይቲ ጸጋታት ኣለዉ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ዝረኣዩኹም ጸጋታት እቶም ንዓኻትኩም ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ
እዮም ኢልና እንሓስቦም ኣጉሊሕናዮም (highlighted) ኣሎና። ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሊንክታት ተወከሱ።

ዕረፍቲ – ሓበረታ ብግብራዊ
ምኽርን ብዛዕባ ድቃስን፥ ኣስተንትኖን ዘይምዝንጋዕ ኣእምሮን
 ጽምዋን ተነጽሎን
– ኣብ ዙርያ ጽምዋ፡ ተነጽሎን ከመይ ጌርኩም ርክብ ከምትገብሩን።
ገንዘብ – ኣብ ዙርያ ጥዕና
ኣእምሮኹምን ገንዘብኩምን ሓበሬታን ምኽርን።
ተሓላቕነት ንኹሉ – ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብዛዕባ ጉዳያት ወይ
ስክፍታታት ጥዕና ኣእምሮ ኣገልግሎት ደገፍ፡ ምኽርን ሓበሬታን ዘድልዮም።
ኣገልግሎታትን ደገፍን – ኣብ ዘድልየኩም እዋን
ክሕግዙኹም ድሉዋት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ደገፍ ርኸቡ። ስኽፍታ ወይ ጭንቀት እንተሃልዩኩም ምስ ሓፈሻዊ
ሓኪምኩም ክትዛረቡ እውን ትኽእሉ ኢኹም።

 ጸቕጢ ዋጋ 
መነባብሮ – ነቲ እናነሃረ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ክትዋጽእዎ ዝሕግዘኩም ኣገልግሎታትን ደገፍን።
ብመግብን
ወጻኢታት መነባብሮን ዝግበር ደገፍ – ንዘድልየኩምን ዘገድሰኩምን ነገራት ሓገዝ

ዓሌትነትን ጥዕና ኣእምሮን።<br />

ጥዕና ኣእምሮኹም ብዓሌትነት እንተተጸልዩ ክንሕግዘኩምንኽእል ኢና።
 ዓሌትነት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዝትንክፎም ሰባት ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። እቶም ዓሌትነት ዘጋጥሞም ሰባት ሕማቕ ዘሰንብድ ተመክሮ፣ ጭንቀትን ሻቕሎት
ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ሓገዝ ንምርካብ ድማ ይጽገሙ።
እዚ ገጽ እዚ ብዓሌትነት፣ ጽልኢ እስልምናን፥ ካልእ ብዓሌት፣ ሃይማኖት ወይ ብሄር ዝተመርኮሰ ኣድልዎ ንዝተጸልዉ ውልቀሰባት ዝወሃብ ደገፍ ዝምልከት
መምርሒታት ዝሓዘ እዩ።

ከቢድ ስምዒታትን ተመኩሮታትን
ሓፍቲ ትካል ዝኾነት ማይንድ፡ ዓሌትነት ንጥዕና ኣእምሮኹም ድልየትን ፍቕርን የበራብር።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣንብቡ።
ዓሌትነት ከምዚ ዝስዕብ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ፤

 ዘይተቐባልነት፡ ጽምዋ ወይ ዝተነጸልኩም፥ ብፍላይ ሰባት ወይ ውድባት ንስኹም ከም
ዘይትምልከቶም እንተ ተዛሪቦም ወይ እንተ ኣመልኪቶም ጽምዋ ወይ ዝተነጸልኩም ኮይኑ ይስምዓኩም።

ጭንቀት፣ ፈራሕን ዘይድሓን፥ ሰባት ብኸመይ ክርድኡኹምን ክሕዙኹምን ምዃኖም
ክትጭነቑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከባቢ ብዙሓት ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘሎኹሞ እዋን ብግልጺ ዝተፈለየን
ተቓላዕትን ኮይኑ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ። ቅድሚ ናብ ዝተወሰኑ ቦታታት ምእታውኩም ከመይ ጌርኩም ንነብስኹም
ከም እትከላኸላኸሉ ክትሓስቡ ግዜ ከተሕልፉ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕርቃን ወይ ተስፋ ምቑራጽ፥ ብፍላይ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ይግበረልኩም፥ እንተኾይኑን ክትቆጻጸርዎ
ዓቕሚ ዘይብልኩም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም።

ውጥረት ዝመልኦ። ኩሉ ዓይነት ዓሌትነት ንውጥረት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ከም ሃንደበታዊ፡
ዘይተጸበኹሞ ግህሰት ካብ ካልእ ሰብ ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ከጠቓልል ይኽእል። ግን ምስ ስሩዕ ደቂቕ ዓመጽ/ግፍዒ
(microaggressions) ምግጣም ዝያዳ ነዊሕ ዝጸንሕ ጽልዋ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ካብቲ ስርዓታዊ
ዓሌትነት ኣብ ህይወትኩም ዘስዕቦ ቀጻሊ ጽልዋ።

ዘይተለምደን ዝገርምን ብፍላይ ሰባት ብዛዕባኹም ‘ዝተፈላለየ’ ነገራት
እንተ ኣጕሊሖም፡ እንተ ኣላጊጾም ወይ እንተ ነቒፎም። እዚ ሕብረተሰብ ንቡር ኢሉ ዝቖጽሮ ነገር ከም ዘይትስምዑ ኮይኑ
እንተተሰሚዒኩም መስርሕ’ዚ ሓደ ሓደ ግዜ ‘ካልእ ምግባር‘othering’’ ይበሃል።

ዓሌትነት ኣጋጢሙኩም ወይ ተደናጊርኩም ርጉጽ
እንተኾይንኩም። እዚ ብፍላይ ካልኦት ንተመኩሮኹም ሸለል ወይ ክሒዶሞ እንተኾይኖም ሓቂ እዩ። ኣብ ክውንነትኩም
ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትወኩም ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ዓሌታዊ ጋዝላይቲንግ (racial gaslighting) ተባሂሉ
ይጽዋዕ።

ከመይ ከም ዝስምዓኩም ክትዓብጥዎ ተገዲድኩም።
ዘሎኩም ተፈጥሮኣዊ ምላሽ ከተርእዩ ወይ’ውን ምሉእ ብምሉእ ብግብሪ ከተርእዩ እንተ ዘይኪኢልኩም። ዝያዳ ግህሰት
ንምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንነብስኹም ውሑስ ንምግባር፡ ንዓሌትነት ምላሽ ክትህቡ ከም ዘይብልኩም ኮይኑ ክስምዓኩም
ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ድኹም ኮይኑ ክስምዓኩም ይኽእል ወይ ድማ እቲ ተመኩሮ ንነዊሕ እዋን ምሳኹም ይጸንሕ
ክኸውን ይኽእል ማለት እዩ።

ልዕሊ ዓቐን ወይ
ዓቕምኹም ዝተንጸንቀቐ። ብቐጻሊ ዓሌትነት ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኹም ድምር ጽልዋ
ክህልዎ ይኽእል። ብዓሌትነት ዝተኸበብኩም ኮይኑ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ።

ናይ ዓሌትነት ተመኩሮታትኹም ንዓኹም ውልቃዊ እዩ። ምስ ካልኦት ብዙሓት ረቛሒታት ድማ ይተሓሓዝ። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ንምምሕያሽ ሓገዝ
ምሕታት ኣገዳሲ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓበሬታን ምኽርን ምርካብ

ኣብ ማሕበረሰብ ክትህልዉ ውሕስነት ክስምዓኩም መሰል ኣሎኩም። ልሙድ፡ መዓልታዊ ንጥፈታትኩም ክትፍጽሙ እውን መሰል ኣሎኩም። መን
ምዃንኩም ወይ መን ምዃንኩም ብዝመስሎ ሰብ ሕማቕ ክሕዘኩም ኣይፍቀደሉን እዩ። ብሰንኪ ዓሌትኩም፡ ብሄርኩም ወይ
ሃይማኖትኩም እንተተፈራሪሕኩም፡ እንተተሃዲድኩም ወይ መጥቃዕቲ እንተበጺሑኩም፡ ብቑጽሪ ስልኪ 101 (ንህጹጽ ዘይኮነ) ወይ
999 (ንህጹጽ ኩነታት) ንፖሊስ ክትሕብሩ ይግባእ።

ናይ ኢንስፓየር ኣገልግሎት ተሓላቕነት ንዂሉ (Inspire’s Advocacy for All service ንኹሉ ኣብ ሰሜን
ኣየርላንድ ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝበጽሕ ኣገልግሎት እዩ። መስመራት ቴሌፎንን ዌብሳይትን ካብ ሰዓት 10፡00
ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ክፉት እዩ። ምስ ናይ ኢንስፓየር ኣገልግሎት
ተሓላቕነት ንዂሉ
ብነጻ በዚ ዝስዕብ ስልኪ ቁጽሪ ደውሉልና።
0808 189 0036
ብኢመይል በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱልና።
hello@inspirewellbeing.org
ብመንገዲ ዌብሳይትና ኣዕልሉና፤
ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ቻት ኣይኮን/ምልክት ጥራይ ጠውቑ።

ካልእ ጠቓሚ ሓበሬታ
 ኣገልግሎት ፖሊስ ሰሜን ኣየርላንድ ምስ ገበናት ጽልኢ
ዝተኣሳሰር ምኽርታት፡ ከምኡ’ውን ብኸመይ ከም ዝሕበር፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታትኦም ኣቐሚጡ ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ
ጠውቑ።

 ኣብዚ እዋን እዚ ብዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ደኺምኩም ትኾኑ። ስለዚ ብሕማቕ ዜና ዝሰልቸወኩም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም
ጥዕና ኣእምሮኹም ምሕላው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ ክትገብሩ ዝሕግዘኩም ኣብዚ ብዙሕ ኣለና።

ማይንድ (Mind) ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ዓሌትነትን ኣዝዩ ዝርዝር ጸጋታት ኣለዎ።
እዚኦም ድማ ተኸታታሊ ትርጉማት ኣገደስቲ ቃላት ዘጠቓልሉ እዮም።

መንእሰያትን ዝሕግዝ ትካል
ግብረ ሰናይ ጂግሳው (Jigsaw)፡ ንሳዕቤናት ዓሌትነት ዝምልከት ካብ 12 ክሳብ 25 ዓመት ንዝዕድሚኦም ዝተዳለወ
ጠቓሚ ናይ ርእሰ-ሓገዝ መሳርሒ ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ኣብዚ ይርከብ።

 ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ብዛዕባ ዓሌትን ጥዕና ኣእምሮን ዝምልከት ገለ መሳጢ ጽሑፋት ኣለዎ። ኣብዚ
ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም።